Skip to content Skip to footer

እዋናዊ መግለጺ፤ ወፍሪ ሓርነት

ወፍሪ ሓርነት ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ብምኽንያት መንነቶምን ፖለቲካዊ ቅዋሞምን ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያን ዝተኣሰሩ ተጋሩ ክፍትሑን ግቡእ ካሕሳ ክረኽቡን ከምኡ እውን ፌደራል መንግሥቲ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ንዝፈጸሞ ዘርኣዊን ፖለቲካዊን በደል ብዕላዊ መንገዲ ይቕሬታ ክሓትት ብብዙሕ መንገዲ ጎስጏስ እናካየደ መጺኡ እዩ።

ንመጠበሪ ብዝመስል መልክዑ ካብቶም እሱራት ወገናትና ዝተለቐቑ ዋላ እንተሃለዉ፤ ክሳብ ሐዚ ግና ብኣማኢት ዝቑፀሩ ኣብ ማሕዩር ተዳጉኖም ምህላዎም ግልጺ ሓቂ እዩ።ብምኽንያት ተለባዲ ሕማም ኮሮና (ኮቪድ 19) ሕይወት እዞም እሱራት ወገናትና ኣብ ሓደጋ ናይ ምእታው ዕድሉ እናሰፍሐ ይኸይድ ከም ዘሎ ኣብ ቀረባ እዋናት ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ እቲ ተላባዲ ቫይረስ ከም ዝኣተወ ካብ ዝወፅእ ዝወፅእ ዘሎ ሓበሬታ ምርዳእ ይከኣል።

ኮምሽነር ሰብኣዊ መሰል ኮምሽን ሕቡራት ሃገራት፤ ብምኽንያት እዚ ዓለም ለኻዊ ተለባዲ ሕማም ኮሮና (ኮቪድ 19) እሱራት ክፍትሑ ከም ዘለዎም ንሃገራት ክሕብራ ዝገበረን ምኽንያት እውን እቲ ሕማም ዘስዕቦ ጉድኣትን እሱራት ነዚ ቫይረስ ዘለዎም ተጋላጽነት ኣብ ግምት ብምእታው እዩ። እቲ ኮሚሽን ኣብቲ ዘውጽኦ ደብዳበ ከም ዘነጸሮ፡ ብቲ ተላባዲ ሕማም ዝለዓለ ተቓላዕነት ንዘለዎም ብዕድመ ዕብይ ንዝበሉን ንድሕንነት ሕብረተሰብ ዘየስግኡን እሱራት ክፍትሑ ይጽውዕ ብተወሳኺ እውን ብዘይብቑዕ ሕጋዊ ባይታን ብፓለቲካዊ ኣረኣእዮም ዝተኣሰሩን እሱራት ክፍትሑ ይጽውዕ። ኩነታት ፖለቲካዊ እሱራትና ምስቲ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዘውፀኦ ረቓሒ ዝጠዓዓም እንተኾነ እውን መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ፃውዒት ፀማም እዝኒ ሂቡ ቀፂሉ ኣሎ:: ወፍሪ ሓርነት ምስቲ ዘሎ ኣሉታዊ ምዕባለታት ፖለቲካዊን ጸጥታዊን ኩነታት እዚ ሃገር ብምግንዛብ እዚ ጉዳይ ፍሉይ ቆላሕታ ከም ዘድልዮ ብምርዳእ ዓለም ለኻዊ ምንቅስቓስ ቃልሱ ንምስላጥ ኣብ ምንቅስቓስ ይርከብ። ስለዝኾነ ድማ ፡

1. ኵሉ ትግራዋይ በቢዝመርጾ መንገዲን ኣብዚ ምንቅስቓስ ጎድኒ እውን ብምስላፍ ግቡኡ ክዋጻእ ዋኒነይ ኢሉ ክወፍረሉ ወፍሪ ሓርነት ጻውዒቱ የቕርብ::

2. ብፍላይ ድማ መንግሥቲ ትግራይ ካብ ዝኾነ ጊዜ ብላዕሊ ዓቕምታት ማሕበረሰብና ኣዋዲዱ ኣብዚ ጉዳይ ቅልጡፍ ዝኾነ ውጽኢት ዘምጽእ መፍትሒ ተግባራት ክፍጽም ከም ዝግባእ ብኣጽንኦት እናተሓሳሰበ ጸውዒቱ የቕርብ።

3. ኣብ የመንን ሱዕዲ ዓረብን ዝሳቐዪ ዘለው ከባቢ 11 ሺሕ ዝኾኑ ስደተኛታት እሱራት ወገናትና መንግሥቲ ፌደራል ንጻውዒቶም ዕሽሽ ምባሉ ስዒቡ መንግሥቲ ትግራይ፥ ሲቪክ ማሕበራት ትግራይ፥ ፖለቲካዊ ውድባትን ውዳበታት ትግራይ ብፍሉይ ቆላሕታ ክንቀሳቐሳሉን ወገናትና ክድሕኑን ናብ ዓዶም ብሰላም ክምለሱን ኵሉ ዓይነት ቃልሲታት ክግበር ወፍሪ ሓርነት ጻውዒቱ የቕርብ::

4. ሚድያታት ትግራይ ብፍላይ መንግሥታዊ ሚድያታት ኣብ ወገናትና ዘርእየኦ ዘለዋ ልግምቲ ከብቅዕ፤ ኩነታት ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝሳቐዩ ዘለዉ ፖለቲካዊ እሱራት ወገናትናን ኣብ የመን ዝሳቐዩ ዘለዉ ስደተኛታት እሱራት ወገናትን ብፍሉይ ቆላሕታ ክምልከተኦን ንህዝቢ ትግራይ ሓቃዊ ጭቡጥ ሓበሬታን መረዳእታን ከቕርባ፥ ኣካል እቲ ቃልሲ ኮይነን ክስለፋ ከም ዝግባእ ወፍሪ ሓርነት ይጽውዕ።

5. ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ብዝፈተላለዩ መልክዑ እናበጽሐ ዝመጸን ዘሎን በደላትን ጸገማትን ብፍላይ ካብ ትግራይ ወጻኢ ዘለዉ ተጋሩ ህልውናን ውሕስና ህይወትን ኵሉ ትግራዋይ ብሓደ ልቢ ተሰሊፉ ክቃለሰሉ፥ ክንቀሳቐሰሉ፤ ወፍሪ ሓርነት ኣብ ዝገበሮም ምንቅስቓሳት እውን ኵሉ ግዱስ ትግራዋይ ግቡኡ ክዋጻእ፤ መንግሥቲ ትግራይ እውን ሓቢሩና ክሠርሕን ባይታ ክፈጥረልናን ክሕግዝን ጻውዒትና ነቕርብ።ኵለመዳያዊ ሓርነት ተጋሩ ብተጋሩ።

ወፍሪ ሓርነትጉንበት ፳፻፲፪ ፡ ዓ፡ም።መቐለ፤ ትግራይ።